ሎሚ 5 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 9 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 6 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ማይህመት ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 19 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 11 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 30 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2922 በጺሑ’ሎ። 2418 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 497 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
5 መጋቢት 2021