ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 44 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 36 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት፡ 10 ኣብ ሰንዓፈ፡ 8 ኣብ መንደፈራ፡ 6 ኣብ ማይ-ምነ፡ 6 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 3 ኣብ ድባርዋ፡ 3 ድማ ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 4 ካብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 3 ካብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 90 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 12 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 102 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 2988 በጺሑ’ሎ። 2538 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 443 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
10 መጋቢት 2021