ሎሚ 12 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 10 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 8 ኣብ ባጽዕ፡ 2 ድማ ኣብ ማይህመት ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 17 ካብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 33 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 6 ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 39 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3038 በጺሑ’ሎ። 2631 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 400 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
12 መጋቢት 2021