Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 12 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 10 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 8 ኣብ ባጽዕ፡ 2 ድማ ኣብ ማይህመት ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እቶም ዝተረፉ፡ 17 ካብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ እዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 33 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 6 ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 39 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3038 በጺሑ’ሎ። 2631 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 400 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

12 መጋቢት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More