ሎሚ 15 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 15 ኣብ ደቡብ – ማለት 9 ኣብ ሰንዓፈ፡ 3 ኣብ ድባርዋ፡ 2 ኣብ እንዳገርግስ፡ ሓደ ኣብ ደቀምሓረ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 52 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 18 ከኣ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 70 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3055 በጺሑ’ሎ። 2701 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 347 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
15 መጋቢት 2021