ሎሚ 16 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 4 ኣብ ጢዖ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 20 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 10 ከኣ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 30 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3062 በጺሑ’ሎ። 2731 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 324 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
16 መጋቢት 2021