ሎሚ 18 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 16 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 9 ኣብ ኣዲባራ፡ 3 ኣብ ኣቑርደት፡ 2 ኣብ ሻምብቆ፡ ሓደ ኣብ ዓሊ-ግድር፡ ሓደ ድማ ኣብ ኦምሓጀር፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 47 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ 16 ከኣ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 63 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3095 በጺሑ’ሎ። 2833 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 255 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
18 መጋቢት 2021