ሎሚ 19 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 17 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 5 ኣብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ድማ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 30 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 2 ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 32 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3118 በጺሑ’ሎ። 2865 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 7 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 246 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 መጋቢት 2021