ሎሚ 24 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ካብ’ዚኦም፡ 7 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 3 ኣብ ዒሊ ግድር፡ 2 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ግርማይካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኦምሓጀር ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ ድማ፡ 6 ካብ ኣስመራ – ማለት 3 ካብ መወሸቢ ማእከላት 3 ድማ ካብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት፣ 3 ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 3 ካብ መወሸቢ ማእከላት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ካብ ቃሩራ፡ ሓደ ድማ ካብ ጊንዳዕ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 21 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 18 ከኣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ብጠቕላላ 39 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3183 በጺሑ’ሎ። 2962 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 8 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 213 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
24 መጋቢት 2021