Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 25 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 9 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 7 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 6 ኣብ ድባርዋ፡ ሓደ ኣብ ዓረዛ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣቑርደት ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታል መንደፈራ ክንክን ክግበረላ ዝጸንሐ ጓል 80 ዓመት ዜጋ፡ ብሞት ተፈልያ’ላ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3192 በጺሑ’ሎ። 2962 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 9 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 221 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

25 መጋቢት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More