Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 26 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 14 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 9 ኣብ ማይህመት፡ 3 ኣብ ባጽዕ፡ ሓደ ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓደ ኣብ ፎሮ፣ እቶም ዝተረፉ 2 ድማ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3208 በጺሑ’ሎ። 2970 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 9 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 229 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

26 መጋቢት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More