ሎሚ 26 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 14 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 9 ኣብ ማይህመት፡ 3 ኣብ ባጽዕ፡ ሓደ ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓደ ኣብ ፎሮ፣ እቶም ዝተረፉ 2 ድማ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3208 በጺሑ’ሎ። 2970 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 9 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 229 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
26 መጋቢት 2021