ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 43 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 18 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 11 ኣብ ኣዲባራ፡ 6 ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓሊ-ግድር ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 17 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 10 ካብ ጊብዶ፡ 6 ካብ ራሓይታ፡ ሓንቲ ካብ ዓሰብ፣ ከምኡ’ውን 5 ካብ ኣስመራ፡ 3 ድማ ካብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ እዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 18 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 5 ድማ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ብጠቕላላ 23 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3251 በጺሑ’ሎ። 2993 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 9 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 249 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
29 መጋቢት 2021