ሎሚ 30 መጋቢት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 28 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 21 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 9 ኣብ ሰንዓፈ፡ 7 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 3 ኣብ መንደፈራ፡ ሓደ ኣብ ጸሮና፡ ሓደ ድማ ኣብ ድባርዋ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ፡ 3 ካብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ካብ ባረንቱ፡ ሓንቲ ካብ ኣዲባራ፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 30 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 6 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 36 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3279 በጺሑ’ሎ። 3029 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 9 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 241 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 መጋቢት 2021