Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 1 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 21 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 20 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ጎልጅ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እቶም ዝተረፉ፡ ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 18 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 2 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ብጠቕላላ 20 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3308 በጺሑ’ሎ። 3049 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 249 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

1 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More