ሎሚ 6 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ደቡብ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 11 ኣብ ደቀምሓረ፡ 6 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 4 ኣብ ድባርዋ፡ ሓደ ኣብ ማይ-ምነ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ እንዳገርግስ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 17 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3363 በጺሑ’ሎ። 3081 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 272 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
6 ሚያዝያ 2021