Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 7 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 4 ኣብ ራሓይታ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 4 ኣብ ኣስመራ፡ 3 ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 34 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 23 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል –  ብጠቕላላ 57 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3374 በጺሑ’ሎ። 3138 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 226 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

7 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More