Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 8 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 13 ኣብ ኣስመራ፣ 3 ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ኣብ ናቕፋ፡ ሓደ ኣብ ገልዓሎ፣ 2 ኣብ ገለብ – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓንቲ ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 21 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 7 ኣብ ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 28 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3393 በጺሑ’ሎ። 3166 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 217 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

8 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More