Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 54 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብ’ዚኦም፡ 29 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 18 ኣብ ግርማይካ፡ 5 ኣብ ኦምሓጀር፡ 3 ኣብ ሻምብቆ፡ 2 ኣብ ባረንቱ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ኣዲባራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

ዝተረፉ፡ 22 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 10 ካብ መወሸቢ ማእከል ዓዲ-ዃላ፡ 6 ካብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ 4 ካብ መወሸቢ ማእከል መንደፈራ፡ 2 ካብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ ከምኡ’ውን 2 ካብ መወሸቢ ማእከል ባጽዕ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓደ ድማ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን – ዞባ ዓንሰባ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3447 በጺሑ’ሎ። 3166 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 271 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

9 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More