ሎሚ 14 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 10 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 5 ኣብ ኣዲባራ፡ 5 ድማ ኣብ ግርማይካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 40 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 2 ከኣ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 42 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3479 በጺሑ’ሎ። 3273 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 196 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
14 ሚያዝያ 2021