Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 15 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብ፡ ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ተሰነይ፡ ሓደ ኣብ ጎልጅ፣ 2 ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፣ 2 ኣብ ኣስመራ፣ ሓደ ድማ ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 6 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 7 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3486 በጺሑ’ሎ። 3280 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 196 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

15 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More