Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 20 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 7 ኣብ ማይህመት – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 2 ኣብ ተሰነይ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣስመራ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3548 በጺሑ’ሎ። 3341 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 197 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 20 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More