ሎሚ 22 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 33 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብዚኦም፡ 11 ኣብ ኣስመራ፣ 11 ኣብ ባጽዕ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 11 ድማ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 6 ኣብ ዓሰብ፡ 5 ድማ ኣብ ዕዲ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 13 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 4 ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 17 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3597 በጺሑ’ሎ። 3406 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 181 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
22 ሚያዝያ 2021