Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 23 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን  ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብዚኦም፡ 4 ኣብ ኣስመራ፣ 4 ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3605 በጺሑ’ሎ። 3410 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 185 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

23 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More