Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

 

ሎሚ 29 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 12 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

 

ንሳቶም ድማ፡ 6 ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፡ 5 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡  ሓደ ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

 

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3671 በጺሑ’ሎ። 3492 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 169 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 

29 ሚያዝያ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More