Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርኻን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ መርመራታት፡ ክልተ ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ ሓደ ኣብ ግርማይካ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓደ ድማ ኣብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 4 ዜጋታት ድማ ሓውዮም ተፋንዮም። ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ ሓደ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ ክልተ ዜጋታት ግን፡ ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3673 በጺሑ’ሎ። 3496 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 12 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 165 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ቀጻሊ ብዝሰላሰል ዘሎ ምፍዃስ መምርሒታት ‘ኮቪድ-19’፡ ብቐንዱ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ፡ ከምኡ’ዉን ዝምልከተን ትካላትን ጽላታትን፡ ንኩሉ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት ማለት፡ ግድነታዊ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ምሕላው ጽሬትን ምምካን ንጥቀመሎም ንብረትን፡ ብዝለዓለ ድስፕሊን ከረጋግጹ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣተሓሳሲቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

03 ግንቦት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More