ሎሚ 7 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ጋሽ ባርካን፡ ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 4 ኣብ ዞባ ማእከል ኣስመራ፡ 4 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ማለት 1 ኣብ ዓሊግድር፡ 1 ኣብ ኣዲባራ፡ 1 ኣብ ኦምሓጀር 1 ድማ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 3742 በጺሑ’ሎ። 3602 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 12 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 128 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
7 ግንቦት 2021