ሎሚ 15 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 22 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 9 ኣብ ዓሰብ -ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 5 ኣብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 4 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፡ 3 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ባረንቱ፡ ሓደ ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ድማ ኣብ ኣቑርደት፡ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ዓዲተከሌዛን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 12 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 2 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ -ብጠቕላላ 15 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 3,844 በጺሑ’ሎ። 3,654 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 12 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 178 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
15 ግንቦት 2021