Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 19 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 8 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 6 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 4 ኣብ ዓሰብ፡ 2 ኣብ ጢዖ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ባረንቱ፡ ሓደ ድማ ኣብ ተሰነይ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 3,887 በጺሑ’ሎ። 3,700 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 173 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

19 ግንቦት 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More