ሎሚ 20 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 19 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 11 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 6 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ 4 ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ባረንቱ፣ 6 ኣብ ዞባ ማእከል፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት ሓደ ኣብ መንደፈራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓዲ-ዃላ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 3,906 በጺሑ’ሎ። 3,700 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 192 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
20 ግንቦት 2021