ሎሚ 22 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 11 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 10 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ሓደ ድማ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 3,932 በጺሑ’ሎ። 3,711 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 207 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
22 ግንቦት 2021