ሎሚ 25 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ንሳቶም ድማ፡ 6 ኣብ ገልዓሎ – ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 3 ኣብ ዓሰብ – ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 3 ኣብ ኦምሓጀር – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 2 ኣብ ሰንዓፈ – ዞባ ደቡብ፡ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ጋሽ-ባርካ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 38 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 3,948 በጺሑ’ሎ። 3,749 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 185 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
26 ግንቦት 2021