Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 28 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 12 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 7 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ኣብ ሽዕብ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሓደ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 4022 በጺሑ’ሎ። 3,812 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 196 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

28 ግንቦት 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More