Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 29 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 39 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 34 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 2 ኣብ መንደፈራ፡ ሓደ ኣብ ዓዲ-ዃላ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ድማ ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 4061 በጺሑ’ሎ። 3,812 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 235 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

29 ግንቦት 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More