ሎሚ 10 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 76 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብዚኦም፡ 68 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 7 ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ፣ ሓደ ድማ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 26 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 19 ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ብጠቕላላ 46 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 43 ዓመት ካብ ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ፡ ከምኡ’ውን ጓል 60 ዓመት ካብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 4766 በጺሑ’ሎ። 4252 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 16 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 498 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
10 ሰነ 2021