Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 17 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 86 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 53 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 28 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 11 ኣብ መንደፈራ፡ 7 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 6 ኣብ ጸሮና፡ 3 ኣብ ደቀምሓረ፡ ሓደ ኣብ ሰንዓፈ፣ 3 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ኣብ ጊንዳዕ፡ ሓደ ኣብ ናቕፋ፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ጎልጅ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 82 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 34 ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ – ብጠቕላላ 116 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 76 ዓመትን ወዲ 74 ዓመትን – ክልቲኦም ካብ ዞባ ዓንሰባ ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5194 በጺሑ’ሎ። 4654 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 19 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 521 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

17 ሰነ 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More