ሎሚ 19 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ጋሽ-ባርካን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 51 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 42 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 3 ድማ ኣብ ኣዲባራ – ጋሽባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 36 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 3 ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ብጠቕላላ 39 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5,336 በጺሑ’ሎ። 4,782 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 19 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 535 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
19 ሰነ 2021