Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 20 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላትን ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማትን ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 26 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 36 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5,362 በጺሑ’ሎ። 4,818 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 19 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 525 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

20 ሰነ 2021

 

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More