ሎሚ 24 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 61 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 41 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 19 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ከኣ ኣብ ዕዲ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 58 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 11 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 69 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5,664 በጺሑ’ሎ። 5147 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 21 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 496 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
24 ሰነ 2021