Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 26 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባ፡ ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 60 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 43 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 14 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 7 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 4 ኣብ እምኒ-ሓይሊ፡ 2 ኣብ መንደፈራ፡ ሓደ ኣብ ደቀምሓረ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ኣብ ኣዲባራ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሓደ ድማ ኣብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 25 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 14 ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 39 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5,780 በጺሑ’ሎ። 5,261 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 21 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 498 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

26 ሰነ 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More