Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 29 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 52 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 49 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 36 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 29 ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 65 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 42 ዓመት ካብ ዞባ ደቡብ ድማ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 5,936 በጺሑ’ሎ። 5,435 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 23 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 478 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና 

29 ሰነ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More