ሎሚ 30 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 73 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 44 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 10 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 4 ኣብ መንደፈራ፡ 3 ኣብ ሰንዓፈ፡ 3 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፣ 19 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 11 ኣብ ግርማይካ፡ 4 ኣብ ሃይኮታ፡ 2 ኣብ ኣዲባራ፡ 2 ድማ ኣብ ዓሊ-ግድር ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 77 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6009 በጺሑ’ሎ። 5,512 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 23 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 474 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
30 ሰነ 2021