Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 8 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ወዲ 87 ዓመት ዜጋ፡ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6242 በጺሑ’ሎ። 5,808 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 28 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 406 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

08 ሓምለ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More