ሎሚ 9 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 14 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 3 ድማ ኣብ ዒላበርዕድ – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 15 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 3 ከኣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብጠቕላላ 18 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 80 ዓመት ዜጋ ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዩ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6259 በጺሑ’ሎ። 5,826 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 29 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 404 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
09 ሓምለ 2021