Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 10 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

 

ካብ’ዚኦም፡ 9 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 6 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 2 ኣብ ሰንዓፈ – ዞባ ደቡብ፣ ሓደ ድማ ኣብ ሞጎራይብ – ዞባ ጋሽ-ባርካ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

 

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 16 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

 

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6277 በጺሑ’ሎ። 5,842 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 29 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 406 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

 

 

ሚኒስትሪ ጥዕና

 

10 ሓምለ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More