ሎሚ 11 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣስመራ – ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6284 በጺሑ’ሎ። 5,842 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 29 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 413 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
11 ሓምለ 2021