ሎሚ 12 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
ካብ’ዚኦም፡ 11 ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 7 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት ሓደ ኣብ ዓረዛ፡ ሓደ ድማ ኣብ ሰንዓፈ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6304 በጺሑ’ሎ። 5,842 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 29 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 433 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
12 ሓምለ 2021