Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ 15 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 35 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 12 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 12 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 6 ኣብ ባጽዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን 5 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 4 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ ሓደ ድማ ኣብ ሃይኮታ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 72 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6382 በጺሑ’ሎ። 6,020 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 30 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 332 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

15 ሓምለ 2021

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More