Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ካብ’ዚኦም፡ 9 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት 4 ኣብ ግርማይካ፡ 2 ኣብ ዓሊ-ግድር፡ ሓደ ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ኣብ ኦምሓጀር፡ ሓደ ኣብ ሞጎራይብ፣ 6 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ኣብ መንደፈራ፡ 2 ኣብ እንገላ፡ ሓደ ኣብ ሰገነይቲ፣ 4 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ከምኡ’ውን 4 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6,473 በጺሑ’ሎ። 6,166 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 32 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 275 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

 21 ሓምለ 2021

 

 

 

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More