Business is booming.

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ክልተ ዜጋታት ካብ ኣስመራ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 13 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 12 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 25 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ጓል 84 ዓመት ካብ ዞባ ደቡብ ብሞት ተፈልያ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6547 በጺሑ’ሎ። 6,444 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 35 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 68 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

31 ሓምለ 2021

 

This website uses cookies to improve your experience. We'll assume you're ok with this, but you can opt-out if you wish. Accept Read More