ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ዓንሰባ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 12 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚኣቶም፡ 6 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ 5 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 2 ኣብ ጊንዳዕ፡ 2 ኣብ ኣፍዓበት፡ ሓደ ኣብ ባጽዕ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 10 ኣብ ዞባ ማእከል፣ 2 ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 12 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6559 በጺሑ’ሎ። 6,456 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 35 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 68 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
02 ነሓሰ 2021