ሎሚ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።
እዚኣቶም፡ 3 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ ከምኡ’ውን 2 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ማለት ሓደ ኣብ ኣዲባራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ተሰነይ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘድሊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 5 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ 4 ድማ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብጠቕላላ 9 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ 6573 በጺሑ’ሎ። 6,484 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 35 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 54 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና
05 ነሓሰ 2021